ኩሉም ኤርትራውያን ተማሃሮ ኣብ ኣፍሪቓ ወይ ኣብ ኣስያ ዝርከባ ዩኒቨርስትታት ዝተቀበልኦምን: ነበራይ ፋውንዴሽን ብሕጋውን ቅሉዕን መንገዲ ንተዓወትቲ ማህደረ ትምህርቲ ብቐጥታ ክኽፈል ኣብ ዝክኣለሉ ቦታ ዝነብሩን ከመልክቱ ይኽእሉ።
ከምኡ’ውን ኣመልከትቲ፤ አብ ቀዋሚ (full-time) ቐዳማይ ዲግሪ ፕሮግራም ወይ ናይ ስልጠና ዲግሪ ከም ስነ ሕክምናን ጠበቃን ዝተመዝገቡ ኮይኖም፡ ሓዲኦም ወይ ክልቲኦም ወለዶም ኤርትራውያን ክኾኑ አለዎም።
ሓጅ ሑመድ ኢብራሂም ነበራይ በቲ ዝነበሮ ናይ ትምህርቲ ድሌትን፡ ኣብ’ቲ ንደቂ-ኣንስትዮ ምምሃር ከም ልሙድ ዝረኣየሉ ዘይነበረ ግዜ፡ ንኣስላም ደቂ-ኣንስትዮ ናይ ትምህርቲ መሰለን ዝሕሉ ጽኑዕ ዝኾነ ጎስጋሳት የካይድ ብምንባሩ ይፍለጥ። ወለዶ ሓጅ ሑመድ፡ ነዚ ሕድሪ ንከኽብሩ ድማ ሓንቲ ካብተን HNS ማህድረ ትምህርቲ ንደቂ-ኣንስትዮ ዝተሓዘአት ኮይና ትርከብ።
እቲ ናይ መመልከቲ ሰነድ አብዚ ይርከብ. ከመልክቱ ዝደልዩ ተመሃሮ ስሩዕ ኢንተርነት ኣብ ዘይብሉ ቦታ ዝነብሩ እንተኮይኖም፣ ናብ hns.application@neberai.com ኢመይል ሰዲዶም መመልከቲ ሰነድ (PDF) ክስደደሎም ክሓቱ ይኽእሉ። እዚ መመልከቲ ሰነድ መሊኦም ድማ ብኢመይል ገይሮም ክሰድዎ ይኽእሉ።
አወ። ኣመልከትቲ ናይ ሰለስተ መስከርቲ ኣስማትን መራኸቢ ኣድራሻን ከም ኢመይል ከቅርቡ ይግባእ። ክልተ ካብዞም ኣመስከርቲ፡ ናይ ኣመልካቲ ኣካዳምያዊ ብቅዓት ክምስክሩ ዝኽአሉ ክኾኑ ከለዉ፡ አቲ ሳልሳይ ድማ ናይ ኣመልካቲ ብቅዓት ክምስክር ዝኽእል ክኸውን ይግባእ።
አቲ ቐንዲ ዘድሊ፡ አብ ኣፍሪቓ ወይ ኣስያ ዝርከባ ዩኒቨርስትታት ኣብ ናይ ዲግሪ ፕሮግራም ከምዝተቐበሉኻ/ኺ ዘርኢ መረጋገጺ ሰነድ ኮይኑ፥ ብተወሳኺ፣ ነዚ ማህደረ ትምርቲ ንኽቅበል ብቁዕ አየ ዝብል ፎርም ክትፍርም/ሚ ኢኻ/ኺ። ከምኡ’ውን ሓደ ካብቶም ሰለስተ መስከርቲ ብቕዓት ኣመልካቲ ከረጋግጽ ይግባእ።
ኣይፋል. ወለዶ ሓጅ ሑመድ ኢብራሂም ነበራይ ከመልኩቱ ቡቁዓት ኣይኮኑን።