ማህደረ ትምህርቲ ሓጅ ሑመድ ነበራይ

ኣብ ሓምለ 2016 ዎሎዶ ነፍሰ-ሄር ሓጅ ሑመድ ኢብራሂም ነበራይ (رحمه الله) ናይ ከረን ኤርትራ ብስም ሑመድ ነበራይ ናይ ማህደረ ትምህርቲ ዕድል ንኤርትራውያን ንምሃብ እኩብ ገንዘብ (ሰደቓ ጃሪያ) ከወፍዩ ተበጊሶም።

HHNሓጂ ሑመድ ኢብራሂም ነበራይ፡ ብ1914 ካብ ሓንቲ ካብቶም ፍሉጣት ስድራ-ቤታት ናይ ከረን ዝኾነት ብሌናዊት ስድራ-ቤት ተወሊዶም። ብ1982 ድማ ኣብ ትውልዲ ዓዶም ዓሪፎም። እቲ ኣብ ከረን ኣብ ማእከላይ ግዜ ናይ መግዛኣቲ ጥልያን ዝወሃብ ዝነበረ ድሩት ናይ መባእታዊ ደረጃ ትምህርቲ  ዛዚሞም፡ ንዝመጾም ናይ ትምህርቲ  ዘበለ ዕድላት እንዳ ተጠቐሙ፡ ንነብሱም ዝያዳ ኣምሃሩ። ቛንቋታት ዓረብን፡ ጥልያን፡ ትግርኛ፡ እንግልዘኛ፡ ብሌን ከምኡ’ውን ትግረ ናይ ምዝራብ ክእለትን ጽቡቕ ምልከትን ነበሮም። ብተወሳኺ ኣብ ቛንቛታት ዓረብን ጥልያንን መባእታዊ ዝኾነ ናይ ምንባብን ምጽሓፍን ክእለት ነበሮም።

ሓጅ ሑመድ ሓደ ካብቶም ቐዳሞት ነጋዶ ደቒ ዓዲ ኣብ ናይ ፉል ሰደድ ንኦሮፓ ዝሳተፉ ዝነበሩ እዮም። ከምኡ`ውን ንሶም መስራቲን ክሳብ ዕለተ ሞቱም ድማ ሓላፊ ናይ ቐዳመይትን ዑዉትቲን ትካል ሰደድ ማስቲካ ኣራቢካ (ፋብሪካ ዕጣን ኣራቢካ ኤርትራ) ናይ’ቲ ከባቢ ኔሩም። ሓጅ ሑመድ ሓደ ካብቶም መስረትቲ ኣስላማዊ ኣውቓፍ ናይ ከረን ኔሩም። ከምኡ’ውን ካብ ደቒ ዓዲ ብዘይካኦም ነቲ ኣስላማዊ ኣውቓፍ ናይ ከረን ንግዳዊ ዘይተንቀሳቓሲ ንብረት ዝወፈየ ኣይነበረን።  ከምኡ`ውን ሓጅ ሑመድ ኣባል መስረትቲ እቲ ናይ ከተማ ከረን ጥንታዊ ኣስላማዊ ቤት ትምህርቲ (ኣስላማዊ ማዕሓድ ከተማ ከረን) ኔሩም ።

ሓጅ ሑመድ ለዋህ ባዓል ገብረ-ሰናይን ጽኑዕ በዓል ቤትን እዮም ኔሮም። ንንእሽቶይ ይኹን ንዓቢ ጽን በሃሊን ብገንዘቦም ኮነ በቲ ልቦናዊ ምኽሮም ለጋስ እዮም ኔሮም። ቡዙሓን ደቒ ከረን፡ ክርስትያን ኮኑ ኣስላም፡ ዓቢን ንእሽቶይን ተጠቐምቲ ናይ ለውሃቶምን፡ ምትብባዕን፡ ምኽሮምን እዮም። ልዕሉ ኹሉ ግን በቲ ዝነበሮም ናይ ትምህርቲ ድሌትን፡ ኣብ’ቲ ንደቂ-ኣንስትዮ ምምሃር ከም ልሙድ ዝረኣየሉ ዘይነበረ ግዜ፡ ንኣስላም ደቂ-ኣንስትዮ ናይ ትምህርቲ መሰለን ዝሕሉ ጽኑዕ ዝኾነ ጎስጋሳት የካይድዱ ብምንባሩም ይፍለጥ።